ንተምሃሮን ወለድን: እዛ ጽሕፍቲ ብዛዕባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ብርሑቕ ዝወሃብ ኣስተምህሮ ትሕብር

Kontakta Site Page

Site Page

Kontakta Umeå kommun

Telefon: 090-16 10 00

Besöksadress: Skolgatan 31A, 901 84 Umeå
Öppettider: Måndag-fredag kl. 8.00-17.00

ሰሉስ ዕለት 17 መጋቢት ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርቲ ኣባጽሕን ነቲ ዝህበኦ ዝነበራ ትምህርቲ ብርሑቕ(ብኢንተርነት) ከካይደኦ ብመንግስቲ ዝተዋህበ ለበዋ ንኡስ-ዞባ ኡምዮ ከምዝኽተሎ ተገሊጹ ነይሩ። እዚ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ብርሑቕ ዝወሃብ ምህሮ ብኸመይ ከም ዝትግበር ኣብ’ዚ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ።

ዋላ’ኳ እቲ ኣማህራ ፍልይ ዝበለ ይኹን ዕላማን ኣብያተ ትምህርቲ ምምሃረን ኽቕጽላ’ዩ። እዚ ብዙሓት ሕቶታት ከም ዘላዕል ይርደኣና’ዩ ግን ብዝተኻእለና መጠን እዋናዊ ሓበሬታ ብፍላይ ብለሩም( Lärum) ይኹን ብመካነ መርበብና(ዌብፔጅ) ክንህበኩም ክንጽዕር ኢና።.

ሓበሬታ ዓርቢ ዕለት 20 መጋቢት

ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ሳምንቲ ኲሉኹም ተመሃሮን ወለድን ንዘካየድክሞ ጻዕርታት ከየመስገናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ዝመጽእ ዘሎ ሳምንቲ ብመሰረት እቲ ንቡር መደብ ትምህርቲ ነቲ ብርሑቕ ዝወሃብ ምህሮ ክንቕጽሎ ኢና። ሕቶታት ይኹኑ ሓሳባት እንተለኩም ነቲ መዓዲ(ሜንቶር) ወይ ነቲ መምህር ተወከስዎ።

ሓበሬታ ዓርቢ ዕለት 18 መጋቢት

ብመሰረት መደብ ትምህርቲ(ሼማ) ዝወሃብ ኣስተምህሮ
እቲ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ብዝተኻእለ መጠን ብመሰረት እቲ ንቡር መደብ ትምህርቲ ክካየድ’ዩ። ንዓኻ ተምህራይ ድማ ናይ’ተን ትወስደን ዓውድታት ብመንገዲ ዓውደ-ክፍሊ(kursrum) ኣቢሉ በቶም ዘስተምህሩኻ መምህራን እቲ ዘይድልየካ ሓበሬታ ክወሃበካ’ዩ።እቲ ዘድልየካ ሓበሬታ ናይ’ተን ትወስደ ዓውድታት ኣብ’ቲ ዓውደ-ክፍሊ ክትረኽቦ ምስ ዘይትኽእል፡ነቶም ዝምልከቶም መምህራን ብኢሜል ወይ በቲ ትራኸብሉ መዳይ ገይርካ ተወከሶም።

ተሳትፎ
ዘጋጥም ኲነታት ብዘይገድስ፡ ኣብ ትምህርትኻ ኣሳልጦ ክትረክብ፡ ኣብ ምህሮኻ ክትዕወትን ኣብ ዕላማኻ ድማ ናይ መጠረሽታ ጠርዚ ክትበጽሕን ንደሊ። ከም ተምሃራይ ድማ ኣብ’ቲ ዝወሃበካ ኣተተምህሮ ክትሳተፍን ሓላፍነትካ ክትወስድን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ንስኹም ወለዲ’ውን እንተኾን ኣብ’ዚ ናይ ለውጥታት እዋን ውላድኩም ነቲ ምህሮ ብዝቐለለ መታን ክሳተፎ ብዝተኻእለ መጠን ክትታሓጋገዝዎ ንሓተኩም።

ምሳሕ-ትምህርቲ
እቶም ኣብ ንኡስ-ዞባ ኡምዮ ዝነብሩ ተምሃሮን ኣብ’ቶም ኮማውያን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ድራጎን ስኮላ፡

ፎርሽሉን ጂምናዝየም፡ ማያ ቤስኮው ጅምናዝየምን ሚድጎር ስኮላን ዝኸዱ፡ ኣብ ዝተመርጻ መሰረታውያንን(ግሩንድ ስኮላን)

ካልኣይ ደረጃን (ጅምናዝየምን) ኣብያተ ትምርህትታት ከይዶም ምሰሖም ከምጹ ይኽእሉ እዮም።

ንተወሳኺ ሓበሬታን ምእዛዝ መግብን፡ : www.umea.se/hamtaskolmat Länk till annan webbplats.

ተምሃሮን ወለድን ኲሉ ሳዕ በቲ እዋናዊ ኩነታት ዝሰነቕኩም፡ ነቲ ኣብ ሌሩም( Lärum) ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ድማ ክትከታተልዎ ንሓተኩም። ነዚ ለውጥታት ዝምልከት ይኹን ካልኦት ሕቶታት እንተለኩም፡ ድሕር ከይበልኩም ተወከሱና!

ሓበሬታ ሰሉስ 17 መጋቢት

ነቲ መንግስቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ኣስተምህሮ ብርሑቕ ክካየድ ዝወሰኖ ለበዋ፡ ንኡስ ዞባ ኡምዮ ክስዕቦ ስለ ዝወሰነ፡ ንሕና ድማ ካብ’ዚ ውሳነ ብምብጋስ ምስ ኣባላትና ንዑኡ ንምትጋብር መደባት እንዳ ሓንጸጽና ኢና። ትካልና ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ይኹን ደኣ’ምበር፡ ዕዮኡስ ከም’ቲ ቐደሙ ክቕጽል’ዩ። ተምሃሮን ወለድን ብዙሕ ሕቶታት ክህልወኩም ከም ዝኽእል ይረደኣና’ዩ። ስለ’ዚ ዕላማን፡ ንጥፈታትና ብኸመይ ይቕጽል ከም ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ ክንህበኩም ኢና። እቲ ምሕባር ድማ ብቐንዱ በቲ ሌሩም ዝበሃል መተሓላለፊ መስመር ክካየድ እዩ።

ነቲ ኣብ ዝመጽእ ብርሑቕ ዝወሃብ ኣስተምህሮ መታን ክትከታተል፡ እዞም ዝስዕቡ ከም ዘለዉኻ ወይ ከም ትኽእሎም ኣረጋግጽ፡
- ሓንቲ ትሰርሕ ናይ ቤት-ትምህርቲ ኮምፒተር
- ዝሰርሕ መስመር ኢንተርነት
- ካልኦት ኣብ ገዛኻ ዝርከቡ ንዋታት(ቻርጀር፡ ናይ ትምህርትኻ መጽሓፍትን ዝኣመሰሉን)
- ኣብ ጉጉልን (ናትካ edu-mejl ብምጥቃም) ኣብ ሌሩምን ክትኣቱ(ሎግኢን) ክትገብር

ቴክኒካዊ ደገፍን ሓገዝ ምስ ዘድልየኒ፡ ንመን ክውከሶ?

ንቴክኒካዊ ሕቶታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት 07.45–16.30 ብቚጽሪ ተሌፎን 090-16 64 10 ዝወሃብ ደገፍ-ተሌፎን ኣሎ።ብጽሑፍ ክትሓትት ምስትደሊ ብመራኸቢ ቅጥዒ(ኮንታክ ፎርም) ገይርካ ሕቶታትካ ክትልእኾም ትኽእል ኢኻ። እቶም ሕቶታት ተርታ ኣመጻጽኦም ብምሕላው ይምለሱ።

Länk till kontaktformulär Länk till annan webbplats.


Skriv ut
Senast uppdaterad: 28 april 2020
Sidan publicerad av: Therése Swärd